ምስባር

ስቕታ

ስቕታ ምስባር - ኣብ “ዲያስፖራ” ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍጸም ወጽዓን(ጎነጽን) ዘቤታዊ ዓመጽን ንምክልኻል ዝዓለመ ፕሮጀክት እዩ።

ነዚ ብኸመይ ነተግብሮ

ስቕታ ምስባር፡ ኣብ ዲያስፖራ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምጉስጓስ፡ ብቐሊሉ ዝርድኣካን ጉስጉጓስን ሓበሬታ ናውቲን ኣብ ናይ ሓበሬታ ቻነልና ብምዝርጋሕን ናይ ጉጅለታት ዘተ ምስ ኤርትራውያን ብምክያድን ነተግብሮ። ፕሮጀክት ስቕታ ምስባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ጎነጽን ዘቤታዊ ዓመጽን ንምክልኻል ተበግሶ ወሲድና ኣለና።

ጎስጓሳት

ኣብ ድያስፖራ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ጎነጽን(ወጽዓ) ዘቤታዊ ዓመጽን ዝገልጽ ኣገባባት ሓበሬታ ነዳሉ ኣለና። ነዚ ሓበሬታ ድማ በቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ሓበሬታ መስመርና- ብ ፈይስቡክን ዩቱብን ከምኡውን ኢንስታግራምን ንዝርግሖ ኣለና።

ሓበሬታ

ንግዳያትን በደልትን ከምኡውን ንስድራቤቶምን ኣገደስቲ ናይ ደገፍ ኣገልግሎት ብቋንቋ ትግርኛ ክንሕብር ኢና።

ዝርርብ

ን ፍርያት ሓበሬታና ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ጎነጽን ዘቤታዊ ዓመጽን ንዘተን ኣስተምህሮን ኣብ ኣብ መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክነቕርቦ ኢና።

---